NationalEr Interest

NationalEr Interest

Share

Centre for Policy and Strategic Studies | Asmara, Eritrea.

24/09/2026

እዘን ናይ ኣሜሪካ ቀንዲ ተጠወርቲ ዝኮና ሃገራት፡ ናይጀሪያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሩዋንዳ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጲያ ...., እንታይ ክኾነን እዩ "ኣፍሪቃ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ምስተን 5-ሓያላን ሃገራት፡ ናይ ቀዉፊ መሰል (Veto Power) ዘይብልና?" ኢለን ኣሻፈረይ ዝብላ ዘለዋ? ያኢ ተቋዉምአን ንምስማዕ ከኣ፡ ገለ ሃገራት መራሕተን ናብ መበል 81 ጉባኤ ሕ/ሃገራት ኒዉዮርክ ኣይተጓዕዙን።

"ለማናይ፡ ጥቃ ቶኻባይ ኮፍ ዘይበልኩ" ኢልካስ ክንድዚ ብኽያት!!! ሓይሊ ወይ "Power" እኳ፡ ተመጻዲቕካ ዝጥረ ኣይኮነን። ለሚንካ ዉን ዝትኮብ ኣይኮነን። ስልጣን ክህልወካ፡ ብቃልሲ፡ ብስኒ ምንካስ እዩ።

እዚ ቀደም ከም ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ዝኣመሰሉ ሓቀኛታት ተቃለስን ዘይጸዓዱ መራሕትን ዝገደፍዎ ምስታፍ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ሎሚ ከም ካጋመን ቦላ ቲኒቡን ዝኣመሰሉ ቁጽሪ ሓደ ማሕዮታት (ሓሰዉቲ/ተለኣኣኽቲ) ናይ ዋሽንቶን፡ "Pan-Africanist" ክመስሉ፡ ካብ ኣሸቀልቶም እንተበኾሩን፡ ዝተሳተፉ ድማ ኣብ ቅርዓት እቲ መጋባኣያ ኮይኖም እንተልቀሱን፡ ከብዲ መን ክበልዑ ይኽእሉ።

ብዝኮነ፡ መደረ ናይ ዊልያም ሩቶ ኣብ'ቲ ቅርዓት፡ ከም'ኡ ዉን ዝንቡዕ ትንታነ ናይ ገለ ማዕከናት ዜና ዓለም ንዘይምስታፍ ከም ራማፎሳን ቲኒቡን ኣብ'ቲ መጋባኣያ ኣመልኪተን ዝሰርሕኦ እንድዩ --- "ቶግ" ኣቢልና ጽሒፍና፡ እንበር ሓኪሎም ድዮም ኣልቂሶም፡ ካብ መጠበሪ ቺቸቶን መቁሽሽን፡ ካልእ ኣብ ኣፍሪቃ ከምጽእዎ ዝኽእሉ ፍትሒ ኮነ ለዉጢ የለን።

እቲ ናይ ኣፍሪቃ ቃልሲ፡ ቀጻሊ እዩ። ነዚ ቃልሲ ዘዐዉት ከኣ እቲ ዘይምብርከኽ፡ ብጽፍሩ ዝሓድር ጽኑዕ ወገን እንበር፡ ካልእ ኣይኮነን።

NationalEr Interest

23/09/2026

No Comment lol 😆

Photos from NationalEr Interest's post 23/09/2026

Athletics 🇪🇷 |• ኣብ ኮፖንሃገን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለምና ተሳቲፋ፡ ዓቢ ዓወት ዘመዝገበት ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌትክስ ኤርትራ፡ ብሰላም ናብ ሃገራ ተመሊሳ፡

19 መስከረም 2026፡ ሃገራዊት ጋንታ ኣትሌቲክስ ኤርትራ፡ ኣብ ኮፖንሃገን ዴንማርክ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ዓለምና ተሳቲፋ፡ ኣብ ናይ 5-ሽሕ ሜትሮ ብመንገዲ ዳዊት ሳዕረ ወርቂ ሜዳልያ፡ ብመንገዲ ሳይሞን ተስፋገርጊሽ ድማ ነሓስ ሜዳልያ ድሕሪ ገዚፍን ታሪኻዉን ዓወት ምምዝጋባ፡ ሎሚ ናብ ሃገራ ተመሊሳ፡ ድሙቕ ኣቀባባል ተኻይድላ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳስር ዘመደ ተኽለ፡ ንዕዉታት ዳዊትን ሳይሞንን፡ ከም'ኡ ዉን መላእ ሃገራዊት ጋንታ ዮዉሃና ኢሉ ኣሎ።

Welcome Back !!!
NationalEr Interest

Photos from NationalEr Interest's post 23/09/2026

ጉጅለ ብልጽግና ድሕሪ'ቲ ኣንጻር ህዝብታት ኢትዮጲያ (ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኦሮሞ) ከካይዶ ዝጸንሐ ቀጻሊ ደብዳባትን ትንኮያን፡ ሎሚ 23 መስከረም 2026 ዉን ናይ ኣጋርን ሜካናይዝድን መጥቃዕታት ወሲኽሉ ኣሎ።

በዚ መስረት፡ ጥሙራት ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህላዌ፡ ብኩሉ መኣዝን ስጉምቲ ክወስድሉ ተገዲዶም ኣለዉ። ብፍላይ ብወገን ኣብዓላ ክልል ዓፋር፡ ቅልጡፍ ምዕባሌታት ኣሎ። መስመር ካምቦልቻ - ጂቡቲ ዉን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክብተኽ ይኽእል'ዩ።

ሓይልታት ፋኖን ምክልኻል ትግራይን፡ ኣብ ደቡብ ተናቢቦም በርቃዊ መጥቃዕቲ ፈንዮም ኣለዉ። ጃጃዊ ሰራዊት ብልጽግና፡ ኣብ ባይታ ከትክል ኢልካ ዘይሕሰብ'ዩ --- እዚ ሎሚ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት፡ ናይ መጀመሪያ ናይ'ቲ መጠረሽታ ዕምሪ ጉጅለ ብልጽግና እዩ።

ዓወት ንጥሙር ሓይልታት ኢትዮጲያ !!!
NationalEr Interest

Photos from NationalEr Interest's post 22/09/2026

ድሕሪ ኣዋጅ "ህዝባውያን ምትሕብባር ሓይልታት ኢትዮጲያ ንህልዉና" ብዘመነ ካሳ ምቅልሑ፡ ዓለም ብዓለማ ኣተኩሮ ሂባ፡ ዓቢ ኣጀንዳ ጌራቶ ቀንያ ኣላ።

ጉጅለ ብልጽግና፡ ኩላ ኣብ ስሪኣ ክትሸይን ጀሚራ፡ ታይ ክትገብር'ከ፡ ሻዕቢያ ኢዱ ዝሓወሰላ ዉሑጅ ኮይኑ ንጸላእቱ ከም'ዝወስድ፡ ታሪኽ ምስክር እንድዩ !!! Lol.

NationalEr Interest

22/09/2026

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጋባኣያ ሕቡራት ሃገራት --- ኒዉ-ዮርክ ካብ ዘስመዖ መደረ፡ "ንኢራን ንሓዋሩ ንከጥፍኣ ወይ ክምሕራ (ኣብ ስምምዕ ክበጽሕ)" ክዉስን ምኳኑ ጠቂሱ ኣሎ።

ንኢራን ከጥፍኣ (To ‘Annihilate Iran’) ዝብል ቃል ምስምዑ፡ ምስ ተኽእሎታት ምጥቃም ኒክለሳዊ ቦምብ እዪ ዝተሓሓዝ። እስራኤል ኣብ'ዚ ሰዓት፡ ለይትን ቀትርን ንዶናልድ ትራምፕ ኒክለሳዊ ቦምብ ክጥቀም ኣብ ምስባኽ እያ ትርከብ።

ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ህልቂት ሂሮሽማን-ናጋሳክን፡ ደጊማ ክትዕሹ ድዩ? ህልቂት ደቅ ኣዳም ከተኸትል ድያ? ንግዜ ዝግደፍ ሕቶ እዩ።

NationalEr Interest

21/09/2026

ለበዋ SEWRA 🇪🇷 |• መልእኽቲ ሚኒስተር ትምህርቲ ዶር. ሓሊማ መሓመድ ኣብ መኽፈቲ ሲፖዝዩም ዝኽሪ ወርቃዊ እዮቤልዩ ምምስራት ቤት-ትምህርቲ ሰውራ:

ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ብጻይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡

ዝኸበርኩም ሚኒስተራት፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን ሃገራውያን ማሕበራትን፡ ዲፕሎማሰኛታትን ክሉኹም ተሳተፍቲ ማሕበረሰብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ደቂ ዓባይ ድስትን፡ እንቋዕ ኣብ መበል 50 ዓመት ወርቃዊ እዮበሊዩ ምምስራት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ‘ረዚን ዝኽሪ፡ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ከነብዕል ኣብቃዓና።

ቅድሚ 50 ዓመት ነዚ መወዳድርቲ ዘይርከቦ ቅዱስ ሕልሚ ሓሊሞም፡ ንሕልሞም ክዉን ክኸዉን ከይተጻዕቱ ሰሪሖም ዕላማ ዘለዎም ብቑዓት ሃገራውያን ክንከዉን ዘኽኣሉና፡ ሓሰብቲ ናይ ሽዑ መንእሰያት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባርን ክሉኹም መማህራንን ኣለይትን ሓካይምን ቤት ትምህርቲ ሰውራን እንቋዕ መጎሰኩም ክብል ፍቀዱለይ።

ቀጺለ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ እቶም ናይ ቅድሚ 50 ዓመት ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮይንካ ክሹኽ ኣብ ክሳድካ ጠምጢምካ ዘተባባዕካዮም ህጻናት ገድሊ፡ ሎሚ ጎቢዞም ኣያታትን ኣቦታትን ኮይኖም ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣሎና፡ ኣብ ዕላማና ኣሎና ይብሉኻ ኣለዉ እሞ ደስ ይበልካ ክብሪ ኸኣ ይሰመዓካ። ኣብዛ ህሞት`ዚኣ እቶም ዘራኦን ዓጻዶን ኣብ ሓደ ቅርዓት ተኣኪብና ምህላውና ብፍሉይ ትዝከር ዕለት ኮይና ትስምዓኒ።

ብምቕጻል፡ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ነዚ ኣጋጣሚ’ዚ ብውዕዉዕ መንፈስን ግብርን ኣብ መላእ ኤረትራን ኣብ ወጻኢ ኤረትራውያን ዝርከብዎ ቦታታትን ብምዕሩግ ኣጋባብ፡ ተዘክሮታት ኣሓዲሱ ኣብ መንእሰያት ቅዱስ ቅንኢ ብዘሕድር መሰናድኦታት ክባዓል ክዉን ስለ ዝገበርኩም ኩሉኹም ተሳተፍቲ ብስም ሚኒስትሪ ትምህርቲ ደረት ዘይብሉ ምስጋናይ ይብጻሕኩም።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ተጋባእቲ ረዚን ዝኽሪ፡ ንሓድሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር
• ስለምንታይ ኢና ንቤት ትምህርቲ ሰውራ ክሳብ ክንድ’ዚ ክብሪ ሂብና እንዝክራ? ዝብል ሕቶ ክምልስ ኣፍቅዱለይ፡

እቲ መልሲ ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ንመግዛእቲ ግድን ክስዕር ዝነበሮ፡ ብሓቀኛ መስርሕ ናይ ህዝባዊ ቃልሲ ኣቢሉ፡ ንኩሎም ተጻባእቲ ሓይልታት ዝሰዓረ ዝተናወሐ ቃልሲ ንምዝካር ኣገዳሲ ስለዝኾነ’ዩ። ብቅኑዕ፡ ንቑሕን፡ ዕጡቕን ሰውራዊ ጽንዓትን ተወፋይነትን ከኣ፡ ንጸላእቱ ኣረብሪቡ ናጽነቱ ንምርግጋጽ ዝተበገሰ፡ ዝቐጸለን፡ ዝተዓወተን፡ ሕጂ ድማ ብህድኣት ዝስጉም ዘሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሸነኽ ናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ መስመር ናይ ሓርነታዊ ጉዕዞ ክንዝክር ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኢዩ።

• እቲ ቀዳማይ ገጽ ዝኽሪ ናይ ቤ/ትምህርቲ ሰውራ፡ ንሰውራ ዝምልከት’ ኢዩ። ሰውራዊ ናጽነት ቀጻልነቱ ዝረጋገጽ፡ ብወለዶታት ውሕስነት ምስ ዝረክብ ጥራይ ሰለዝኾነ፡ ንዝተናውሐ ገድሊ ዘቐጽል ናይ ምቅላስ ዓቕሚ፡ ብኩሉ መዳዩ ዘበርኽ ትምህርታዊ መደብን ውዳበን ናይ ምፍጣር ዕላማ ኮይኑ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን እውን እንተኾነ ናይ ምሕብሓቡ ሓላፍነት ይጽናሓለይ ዘይበሃል ናይ’ቲ ግንባር ራእይን ግብራዊ ስራሕን ጌርካ ምውሳድ’ዩ።

• እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ንዜጋታት ብንቕሓትን ክእለትን ምድላው ኢዩ። ናጽነት ክዉን ምግባር ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ስለዝነበረ፡ መበገሲ ናይ ኤርትራዊ ትምህርቲ ብሓቀኛታትን ውፉያትን ንኣሽቱ ዜጋታት ብምጅማር፡ ወትሩ ንጥቕሚ ሓፋሽ ዘቐድሙ ተማሃርትን ኣገልገልቲ ህዝቢ ምፍራይ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ስለዚ፡ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ካብ ስማ ጀሚራ ንሰለስተ ኣምራት ሒዛ’ያ ተበጊሳ።

• እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ ሰውራውነት ኮይኑ፡ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ፡ ሰውራዊ ስለዝኾነ ኣብ ስማ ብንጹር ክንጸባረቕ ነይርዎ፡ ስለዚ እያ ድማ ሰውራዊ ክብርታት ሃኒጻ:

• እቲ ካልኣይ ንትምህርታዊ ስራሕ ዝምልከት ኮይኑ፡ እታ ቤ/ት ዕላማኣ ብብሉጽ ትምህርታዊ ተመክሮ ዝተኾስኮሱ ቅኑዓትን ውፉያትን ዜጋታት ንምህናጽ ስለዝኾነ፡ ‘ትምህርቲ’ ዝብል ኣምር ኣገዳስነቱ ኣብ ስማ ተማእኪሉ ክውረቕ ነይርዎ፡

• እቲ ሳልሳይ ድማ፡ ንመዕቆቢ ቦታ ዝምልከት ኮይኑ፡ ወላው’ን ኣብ’ቲ ዝጸንከረ እዋን፡ ብስሩዕ ኣገባብ ንትምህርቲ ዝኸውን ምቹእ ናይ ተዛማዲ ቅሳነት ባይታ ዝፈጥር ‘ቤት’ ዝብል ናይ ዋንነት ኣምርን መጸውዒን ደሚቑ ክህልዋ ስለዝነበሮ ኢዩ።

በዚ ድማ እታ ቤት ትምህርቲ፡ መበገሲን መዕቆብን ሓቀኛ ኤርትራዊ ትምህርቲ ኮይና ‘ቤት ትምህርቲ ሰውራ’ ተሰይማ። ከም ስማ ኸኣ፡

• መውሓሲት ኤርትራዊ ሰውራዊ ገድሊ ኮይና፡

• መፈልፈሊት ነዚ ሎሚ ኤርትራዊ ኢልና እንሕበነሉ ዘሎና ስርዓተ-ትምህርቲ ኮይና፡

• ኣብነትን ኮስኳሲትን መንነትና፡ ስነ-ምምህርናዊ ፍልስፍናን ግብርናን ኮይና ከኣ ፍርቂ-ዘመና ነብዕለላ ኣሎና።

ሎሚ ክንዮ’ቲ ዝጠቕስናዮ ዕላማታት፡ ኣብ ሳሕል መበል ዓሰርተ-ዓመት፡ ኣብ እዋን ናጽነት መበል ዕስራን-ሓሙሽተን ዓመት፡ እንሆ ሕጂ ድማ መበል 50 ዓመት ምምስራት ሰውራዊ ዕላማ ትምህርታዊ ቃልሲ ህዝባዊ ግንባር፡ ትምህርቲ ንጥቕሚ ሓፋሽ መታን ክውዕልን ከገለግልን፡ ኣብ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ ዝርከቦ ዓዲ ትዝከርን ኤረትራውያን ንዕላማ ትምህርቲ ሽቶኡ ክወቅዕ ካብኦም ዝሕተት ክገብሩ፡ ንስለ ሃገር ዝሓለፉ ጀጋኑና ኸኣ ብትምህርቲ ክድብሱ መጻኢ ወለዶ ብትምህርቲ ሃገር ክሃንጽ መብጽዓና ነሐድስ ዘለና።

በዚ ኣጋጣሚ ድማ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብዘን ዝስዕባ ኣገደስቲ ነጥብታት ኣተኩሩ ክሰርሕ ምዃኑን ተመክሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ኣብ ምምሕያሽ ብቕዓት ትምህርትን ምቕስቃስ ወኒ መማህራንን ተማሃሮን ክጉስጉሰሉን ክሰርሓሉን ምዃኑ ክገልጽ እፈቱ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ትምህርታዊ ኣቕርቦት ብዝገርም ዝርጋሐ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ናይ ሃገርና ዓብዩ እኳ እንተሃለወ፡ ተማሃሮና ከምቲ ናይ ቤ/ት/ሰውራ ብሃገራውነት፡ ብጠባይ፡ ብባህልን ኩለንተናዊ ትምህርታዊ ትሕዝቶን፡ ብደረጃ ይኹን ብዓይነት መታን ክበቕዑልና ኣብ እነካይዶ ዘለና ገስጋስ ዘጋጥሙና ዘለዉ ዓበይቲ ግን ከኣ ክንሰረሓሎም ዘለና ብድሆታት ክጠቅስ ክፍትን`የ።

• ናይ ቅድመ-ትምህርቲ መደባት ብሰፊሕ ተዘርጊሑ እኳ እንተሃለወ ንዝተፈላለዩ ዓቕሚ-ሰብ፡ ንዋትን ህንጻታትን ዝምልከቱ ሕጽረታት ኣዝዮም ሓነቕቲ ኮይኖም ኣለዉ፡

• ኣብ ኩሉ ደረጃታትን ዓይነታትን ትምህርቲ ንብቕዓት መምህራን ዘበርኹ፡ ወኒ ስራሕን ሞያዊ ፍቕሪ ዝኹስኩሱ መደባት ካብ ቀዳምነታትና እዮም።
• ሕጽረት ናይ ኣደ ቋንቋ መምህራን መሰረታዊ ኣድህቦ ዝሓትት ኮይኑ፡ መሰረታዊ መፍትሒ ኸኣ ኮለጅ ትምህርቲ ምክፋትን ምሕያልን እዩ።

• ኣብ ኩሉ ትምህርታዊ ስራሓትና ጉዳይ ምምልማል ብቑዓት ሓለፍትን ምምዕባል ትካላዊ ዓቕምን መሰረታዊያን ማሕንቖታት ኮይኖም ዓቢ ስራሕ ዝሓቱና እዮም።

• ኣድህቦና ኣብ ቴክኒካዊን ሞያዊን ትምህርቲ ልዑል’ኳ እንተኾነ ብኩሉ መዳዩ ትሑት ስለ ዘሎ ብዝላዓለ ክስራሓሉ።

መንግስቲ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኸኣ ብፍሉይ ኣብ ኩሎም ዝተጠቕሱ ብድሆታት ዝከኣሎም ይገብሩኳ እንተሃለወ፡ እቲ ጻዕሪ ከድምዕን፡ ብፍላይ ብቑዓት ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ክንዕወትን፡ ተራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝብናን፡ ተራ ኣህጉራዊያን መሻርኽትናን ክሕወሶ ግድን ክኸውን ኢዩ። ብወገን ሚኒስትሪ ትምህርቲ ንሓባራዊ ጻዕርን ሽርክነትን ክውድብን ከረጋግጽን ጀሚርዎ ዘሎ ስራሕ ኣብ መወዳእታ ንምብጻሕ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ድማ አረጋግጽ።

ከምቲ ኣብ ዝጸንከረ እዋን፡ ንትምህርታዊ ዕላማ ዝተዓውትናሉ፡ ሕጂ እውን ኩሉ ሃገራዊ ዕላማታትና ብብቑዕ ትምህርቲ ከነሰንዮ ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ። መበል ሓምሳ ዓመት ጽምብል ምምስራት ቤ/ት/ሰውራ ከምቲ ቴምኡ ዝእምቶ ካብ ዝኽሪ ሓሊፉ፡ ንሓዲሽ ወፍሪ ህንጸት ሃገር ብግብሪ ክንሰርሕ መብጽዓ እንኣትወሉን፡ ነቶም ንፋስ ሓርነት ክነስተንፍስን መበል 50 ዓመት በዚ ዉዕዉዕ መንፈስ ክነብዕልን በጃ ዝሓለፉ ሰማእታት ብኣቕርቦት ብሉጽ ትምህርቲ ክንድብስን እዩ እምንቶይ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ ቅዱስ ዕላማ ኣብ ኩሉ መደባት ናይ መንግስቲ ተዋፊርና እንርከብ ፍርያት ናይዛ ዓባይ ድስቲ ዝኾና፡ ከም ወትሩ ኩሉ ካባና ዝሕተት ብምምላእ፡ ነቲ ሕልሚ ብብሉጽ ትምህርቲ ደሪዕና ክዉን ክንገብር በዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽር።

መንግስትን ሕብረተ ሰብ ኤርትራን ከኣ ነዚ ሓላፍነት`ዚ ብዓወት ንክንዋጸኦ ከም ወትሩ ደገፉ ከበርኽ እጽውዕ።

ትምህርቲ ንጥቕሚ ሓፋሽ!
ሰማእታትና ብስራሕን ብቑዕ ትምህርትን ይደበሱ!
ዓወት ንሓፋሽ!

ሚኒስተር ትምህርቲ ዶር. ሓሊማ መሓመድ
ኣስመራ፡ ኤርትራ
መስከረም 2026

ስእልን ሓበሬታን፡ ሚ/ዜና
NationalEr Interest

21/09/2026

SEWRA 🇪🇷 |• Eritrea’s Strength Lies in Its Human Resources, Enriched through Education and Experience

At a symposium organized today, 20 September, at Asmara Palace Hotel in connection with the Golden Jubilee of the establishment of the Revolution School, President Isaias Afwerki said that Eritrea’s strength and resources lie in its people, whose capabilities are enhanced through education and experience.

Underlining that even before 50 years, Eritrea’s strength lay in its human resources, President Isaias emphasized the significance of working relentlessly to develop human resources to achieve the desired goals and, above all, secure the country’s future.

At the event, attended by Ministers, senior Government and PFDJ officials, Army Commanders, religious leaders, and invited guests, Dr. Halima Mohammed, Minister of Education, stressed that, beyond commemoration, the occasion calls for renewed commitment to nation building and nurturing a competent generation through quality educational opportunities. She also commended those who contributed to organizing the colorful event.

Ambassador Zemede Tekle, Commissioner of Culture and Sports, indicated that the Golden Jubilee of the establishment of the Revolution School had been celebrated inside the country and abroad with patriotic zeal, attesting to the farsighted decision made 50 years ago.

In a paper entitled “The Importance of Boarding Schools: What Lessons Can We Learn from the Revolution School?”, Mr. Osman Saleh, Minister of Foreign Affairs, said that despite challenging conditions, the consistent commitment of the EPLF, coupled with the dedication of guardians and teachers, had made it possible to nurture capable youth.

At the symposium, research papers were presented on “The Revolution School: From Where to Where,” “Equality of Eritrean Languages: Mother-Tongue Education,” as well as investment in education after independence for the period 2025–2030.

NationalEr Interest

21/09/2026

Ethiopia |• ካብ ኢትዮጵያ ህዝባውያን ምትሕብባር ሓይልታት (ምትሕብባር ንህልዉና) ዝተዋሃበ መግለጺ፡

(Comander D/Chairman Kumsa Diriba, better known by his nom de guerre Jaal Marroo, is the commander-in-chief of the Oromo Liberation Army (OLA), an armed rebel group fighting the Ethiopian regime in the Oromia region).

ከኢትዮጵያ ሕዝባዊ ኃይሎች ትብብር ለሕልውና (ትብብር ለህልውና) የተሰጠ መግለጫ።

Via Tigray TV
NationalEr Interest

20/09/2026

ለበዋ SEWRA 🇪🇷 |• ሎሚ፡ ቤት-ትምህርቲ ሰዉራ፡ ከም ዶ/ር ሓሊማ መሓመድ ዝኣመሰሉ መራሕቲ ፈጢሩ ኣሎ። "Just" ሞራልና ክብርኽ፡ ሰማይ ክዓርግ --- ተስፋና ክዓቢ --- ርእሰ-ምትእማና ክትርንዕ፡ ተስፋ ናይ ርሑቅን ቀረባን ጸላእቲ ድማ ንማዓሙቕ ክቅበር፡ ክበንን፡ ክቡር ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ --- ከም ዶ/ር ሓሊማ ዝኣመሰሉ ብዉሕዱ 10 መራሕቲ፡ ኣብ ላዕሊ ሽመልና፡ መንግስቲ፡ ግንባር፡ ብኣዉርኡ ድማ --- ሰራዊት፡ በዞም ናይ ትማል ዕምባባ፡ ናይ ሎሚ ፍረ ምልኣልና፡ ለበዋ ህዝቢ ኤርትራ እዩ እዚ ሓደራ ከይዓብር !!!
*******

ስእልን ሓበሬታን፡ ሚ/ዜና
NationalEr Interest

Want your school to be the top-listed School/college in Massawa?
Click here to claim your Sponsored Listing.

Address


Red Sea Cost
Massawa
00291

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when NationalEr Interest posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Subscribe

We will notify you when anything happens in Massawa.